NEWS

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን African Sourcing and Fashion week (ASFW) ይሳተፍ ኣሎ ።
Almeda Textile plc. is attending in ASFW International Exhibition in Addiss Abeba which is the largest event in Africa!
ስድራ ስዉኣት ምሕጋዝ ዋኒን ኩሉ ማሕበረሰብ ክከውን ይግባእ ተባሂሉ።
እዚ ዝተብሃለ ድማ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትካል #ሱር_ኮንስትራክሽን_ትእምት ትማሊ 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ወረዳ 70 እንደርታ ጣብያ ዓራቶ ተረኺቦም ንስድራ ስዉኣት ኣብ ዝገበርዎ ሓገዝ ዓፂድ ዝራእቲ እዩ።

Read More

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ ከይዲ ምፍራይ ሲሚንቶ ናብ ከባቢ ኣየር ይልቀቕ ዝነበረ ዶሮና ኣብ ክልቲኡ መስመር ብምቁፅፃር ሲሚንቶ እናፍረየ ይርከብ።

 

 

Read More

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ #በዓል_ሓደራ_ቦርድ_ትእምት መድረኽ ዝተልዓሉን ብዝርዝር ዝተገምገሙን ጉዳያት እቲ መድረኽ ምስ ተዛዘመ ናብ ህዝቢ ክቃልሑ ከምዝግበር #ትእምት ይሕብር።

Read More

በዓል ሓደራ ቦርድ #ትእምት ናይ ሕሉፍ ዓመት ኣፈፃፅማ ስራሕ፣ ቀፃሊ ትልምን ስትራተጂክ ኣንፈታትን ትእምት ኣድሂቡ ገምጋም የካይድ ኣሎ፤
በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ካብ ሎሚ 13 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ዝነበረ ኣፈፃፅማ ስራሕ፣ ናይ 2017 ዓ.ም ትልሚ፣ ከምኡ’ውን ቀፃሊ ስትራተጂክ ኣንፈታት ትእምት ኣመልኪቱ ገምጋም እናካይደ ይርከብ። 
ንህንፀት#ፕሮጀክት_ኬሚካል_ኢንዱስትሪ_ደጀና_ትእምት ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን መፂኡ ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ::
ብምኽንያት ኲናት ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት ፕሮጀክት #ትእምት ደጀና ኬሚካል ኢንዱስትሪ ንምቕፃልን ስራሕ ንክጅምርን እናተገበረ ዝመፀ ልዑል ፃዕሪ ፍረ ኣፍርዩ ፣ 

Read More

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ብምኽንያት ዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ፀገም ኣብ ደውታ ብምህላው እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሰብ ሞያ 24 ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ናይ ፅገና ስራሕቲ እናሰርሑ ኣብ ምዝዛም ከምዘለው ንዓማዊልና ንገልፅ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ን ደውታ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ምኽንያት ተባሂሉ ዝለዓል ዘሎ ኣጀንዳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረት ዘይብሉን ከም ዝኾነ ንገልፅ።

 Read More

መድረኽ ምስጋና ንጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ!
ሓደ ካብ ትካላት #ትእምት ዝኾነ #ሱር_ኮንስትራክሽን ምስ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ብምትሕብባር ን 250 ዝኾና ጀጋኑ ዉጉኣት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ ምስጋናን እንግዶት ምሳሕን መድረኽ ኣሳሊጡ። እቲ መደረኽ ምእንተ ህዝበንን ዓደንን ረዚን ዋጋ ንዝኸፈላ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ የቐንየልና ንምባል ዓሊሙ ዝተዳለወ እዩ።

Read More